loader
  • እንታይ'ሞ!

    @Bilen(ብሌን)   9 months ago
    Sewasewer
  • loader Loading content ...
  • @Bilen(ብሌን)   9 months ago
    Sewasewer

    ወያ ፀሐይ

    እንካብ ሰማይ

    ክንዮው 'ቲ ኹርባ

    ጩራ ተጎልቢባ

    ካብ መንጎ ደበና

    ትጋብዘኒ ብርሃና።


    ከደትኒ ክብል

    ንቕዱሕ ክኸንብል

    ንኸዉን ክሓልም

    ንብሩህ ከጸልም

    ትዓርብ ምዓልቲ

    የርክበኒ ለይቲ።


    ከይትቐብጽ'ዶ ንሳ

    አይተርፍን ምምላሳ

    ጽባሕ'ውን ከም ሎሚ

    ዓሚ፤ ከም ቅድሚ ዓሚ

    ብብርሃን ተኾሊዓ ከም ወትሩ መልኪዓ።


    እንታይ'ሞ!

    ክርድአኒ'ዶ አነ

    ክረክብ ደኾን ውነ

    ልበይ ንኸስቆሮ

    ህያባ ከስተማቕሮ

    ጽባሕ'ውን ከይትኾን ከንቱ

    ወትሩ ንሕሉፍ ከየዘንቱ ።

    ምንጪ: ኪሮስ ብርሃነ

  • loader Loading content ...